ሐሙስ, ጥር 14 2018 ፕሮግራም PrevRHD ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ኣብ መቐለ ብዛዕባ ምክልኻል ቅርጥማታዊ ረስኒን ሩማቲክ ሕማም ልቢን ናይ ግንዛበ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ኣብቲ መድረኽ፣ ዘይተሓከመ ሕማም ጎሮሮ ናብ ሩማቲክ ፊቨርን ቀዋሚ ጉድኣት ቫልቭ ልብን ከም ዝመርሕ ተገሊፁ። ተማሃሮ ድማ ሕማም ረኽሲ ጎሮሮ እንትርአዮም ቀልጢፎም ናብ ትካል ጥዕና ብምኻድ ግቡእ ሕክምና ክረኽቡ ተተባቢዖም።
እቲ ትምህርቲ ደማ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ብቐሊሉ ምከልኻል ዝኽእል ሕማም ምዃኑ፣ ብቐልጢፍ ምርመራ ግቡእ ሕክምናን ምዕባለ ግንዛበ ማሕበረሰብን ከም ዝከላኸል ተገሊፁ። ዕላማ እቲ መድረኽ ድማ ተማሃሮ ጥዕናኦም ክሕልዉን ዝተማህርዎ ፍልጠት ንስድራቤቶምን ንማሕበረሰቦምን ክካፈሉ ምብቃዕ እዩ።
Report this post
Select a reason. You may optionally add more details.














