ኣብ መቐለ ቤት ትምህርቲ ሞሞና ንተማሃሮ ናይ ግንዛበ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

Share this post on:

ብዕለት 19 ለካቲት 2018 ፕሮግራም ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሩማቲክ ሕማም ልቢ (RHD) (PrevRHD) ኣብ መቐለ ቤት ትምህርቲ ሞሞና ንተማሃሮ ኩለመዳያዊ ትምህርትን መንቅሒ ኣፍልጦ ጥዕና ኣካይዱ። እቲ መደብ ነቶም ኣብ ዕድመ ትምህርቲ ዝርከቡ ተምሃሮ ብእዋኑ ንቕሓት ብምፍጣር ሩማቲክ ሕማም ልቢን ቅርጥማታዊ ረስኒ ዘምፅእዎ ፀገማት ንምንካይ ዓሊሙ ተኻይዱ። ኣብዚ ዕድመ ክሊ ዝርከቡ ተምሃሮ ካብቶም ኣዝዮም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብ እዮም እዮም።

እቲ ናይ ግንዛበ መፍጠሪ ወፍሪ ተማሃሮ ብእዋኑ ምልክታት ረኽሲ ጎሮሮ ንከለልዩን ከቢድ ሳዕቤን ዘይተሓከመ ሕማም ንምርዳእን ዘኽእል ኮይኑ ብእዋኑ ሕክምና ንክረኽቡ ዝሕብርን ዘድሊ ፍልጠት ንምዕጣቕ ዝዓለመ እዩ። ኣብቲ መደብ ንተማሃሮ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ብምምሃር ብእዋኑ ምርመራን ሕክምናን ብምግባር ምሉእ ብምሉእ ክውገድ ዝኽእል ሕማም ምዃኑ ተሓቢሩሎም።

ኣብቲ ክፍለ ግዜ ጉጅለ PrevRHD ሩማቲክ ሕማም ልቢ ምክልኻል ዝከኣል ግን ድማ ንህይወት ኣብ ሓደጋ እናእተወ ዝርከብ ሕማም ምዃኑ ግንዛበ ተፈጢሩሎም።እዚ ሕማም ረኽሲ ጎሮሮ ባክተርያ ብተለምዶ ብቶንሲላይትስ ወይ ስትረፕ ጎሮሮ ዝፍለጥ፡ ከይተሓከመ ወይ እኹል ሕክምና ከይረኸበ እንትተርፍ ዝምዕብል ምዃኑ ገሊጹ።

ብዙሓት ሰባት ንቃንዛ ጎሮሮ ከም ንእሽቶ ሕማም ክቖፅርዎ እንከለዉ እቲ ብጉጅለ ኤ ስትረፕቶኮከስ ዝመጽእ ረኽሲ ጎሮሮ ግቡእ ሕክምና እንተዘይተገይሩሉ ናብ ቅርጥማታዊ ረስኒ ከስዕብ ከምዝኽእእል ነቶም ተምሃሮ ተነጊሩዎም። ቅርጥማታዊ ረስኒ ንቫልቭ ልቢ ክጎድእ ዝኽእል ሕማም ኮይኑ ውፅኢቱ ደማ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ረውማቲክ ዝበሃል ቀዋሚ ሕማም ልቢ እዩ።

እቶም ጉጅለ እቲ ፕሮግራም ቀለልትን ምስ ዕድመ ዝሰማማዕን መግለጺታት ብምጥቃም ምዕባለ እቲ ሕማም ዝገልፅ ብስእሊ ብባነር ሰሪሖም ኣቕሪቦም፤
ዘይተሓከመ ረኽሲ ጎሮሮ ስትረፕቶኮካል (ቶንሲላይትስ) → ቅርጥማታዊ ረስኒ → ሩማቲክ ሕማም ልቢ
ከይዲ እዚ ሕማም ኣብ መጀመርታ ረኽሲ ጉሮሮ ደረጃ እንተሎ ምርመራን እዋናዊ ሕክምና መድሓኒትን ብምውሳድ ምክልኻል ከምዝከኣል እዚ ድማ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ክከላኸሉ ዝኽእሉ ሕማማት ልቢ ከምዝገብሮን ተሰሚሩሉ።

ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ግቡእ ኣትኩሮ ክግበር ተሓቢሩ፥

  • ብባክተርያ ዝመፅእ ረኽሲ ጎሮሮ ብእዋኑ ምሕካም ንቅርጥማታዊ ረስኒ ምሉእ ብምሉእ ምክልኻል ከምዝከኣል።
  • ቅልጡፍ ሕክምናዊ ክንክን ንልቢ ካብ ነባሪ ጉድኣት ይከላኸል።
  • ዝተውሃቡ መድሓኒታት ብኣግባቡ ምጥቃም ኣድላይ ምዃኑ
  • ሕክምና ምድንጓይ ንዕድመ ምሉእ ናይ ጥዕና ፀገማት ከስዕብ ይኽእል።

ኣብቲ ናይ ግንዛበ መፍጠሪ መድረኽ ካብ ዝቐረቡ ቁልፊ መልእኽትታት ሓደ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ከስዕቦ ዝኽእል ኢኮኖምያዊ ቅልውላው እዩ።ቫልቭ ልቢ ንሓዋሩ እንትጉዳእ ተሓካሚ ከድልዮ ዝኽእል ነገራት ተዘትዩሎም:

  • ዘየቋርፅ ንሕክምና ክትትል ምምልላስ ናብ ሆስፒታልን
  • ንነዊሕ እዋን ዝውሰድ ወርሓዊ መርፍእ ቤንዛቲን ፔኒሲሊን ንተደጋጋሚ ቅርጥማታዊ ረስኒ ንምክልኻል።
  • ድኻም ልብን ተዛመድቲ ፀገማትን ንምዕጋስ ዝሕግዙ ንሓዋሩ ዝውሰዱ መድሓኒታት።
  • ኣድላይነት ፍሉይ መርመራታት ልቢ ከም ኢኮካርዲዮግራፊ።
  • ንዝለዓለ ክንክን ናብ ሳልሳይ ደረጃ ሆስፒታላት ሪፈር ምኻድ።
  • ከቢድ ወፃኢ ዝሓትት መጥባሕቲ ቫልቭ ልቢ፡ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከባቢ ዘይርከብን ካብ ክልልና ወይ ሃገር ወጻኢ ሕክምና ከድልዮ ይኽእል።

ከም ኣካል ናይቲ ኣስተምህሮ ተማሃሮ ካብ ሓደ ምስ ሕማም ልቢ ዝነብር ምስክርነት ወሲዶም። ንሱ ድማ ኣገዳስነት ብእዋኑ ሕክምና ምግባር ብምርዳእ ውልቃዊ ጉዕዞኡ ኣካፊሉ። ንእስነቱ ብተደጋጋሚ ሕማም ረኽሲ ጉሮሮ (ቶንሲላይትስ) ይሳቐ ምንባሩ እዋናውን ግቡእን ሕክምና ግን ከምዘይረኸበ ገሊፁ። ምስ ግዜ እዞም ተደጋጋሚ ረኽስታት ናብ ቅርጥማታዊ ረስኒ ብምስግጋር ኣብ መወዳእታ ድማ ረውማቲክ ሕማም ልቢ ብምፍጣር ንቫልቭ ልቡ ንሓዋሩ ተጎዲኡ። ንሱን ስድርኡን ዘጋጠሞም ኣካላዊ፡ ስምዒታውን ፋይናንሳውን ፀገማት ክባር ወፃኢ ዝሓትት መጥባሕቲ ቫልቭ ልብን ምሉእ ዕድመ ሕክምናዊ ምክትታልን ንምግባር ከምዝተገደደ ሓቢሩ። ታሪኹ ሓደ ቀሊልን ክሕከም ዝኽእልን ረኽሲ ጎሮሮ ዕሽሽ እንተተባሂሉ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ፀገማት ከምጽእ ከም ዝኽእል ተንቀሳቓሲ መዘኻኸሪ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ዳይሬክተር ቤት ትምህርቲ ሞሞና ንጉጅለ ፕሮግራም PrevRHD እዚ ናይ ግንዛበ መድረኽ ብምድላዉ ልባዊ ምስጋናኡ ገሊፁ። ከምዚ ዓይነት ትምህርታዊ መደባት ተማሃሮ ቀልጢፎም ምልክታት ክለልዩ፣ እዋናዊ ሕክምና ክረኽቡን እቲ ፍልጠት ንስድራቤቶምን ንማሕበረሰቦምን ክዘርግሑ ይሕግዝ። ብተወሳኺ ደማ ከምዚ ዝበለ መደባት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብቐፃልነት ክካየዱ መልእኽቲ ኣሕሊፉ፣ እዚ ድማ ብቐሊሉ ክከላኸል ዝኽእል ሕማም ንምክልኻልን ጥዑይ ወለዶ ንምህናጽን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሞሞና ዝተኻየደ ናይ ግንዛበ መድረኽ ተማሃሮ ብዛዕባ ሕማም ልቢ ሩማቲክ መንቀሊኡ፣ መከላኸሊኡን ሳዕቤኑን ዘለዎም ፍልጠት ኣዕብዩ። ጉጅለ PrevRHD ደማ ዘይተሓከመ ሕማም ጎሮሮ ናብ ቅርጥማታዊ ረስኒ ቀፂሉ ደማ ናብ ቀዋሚ ጉድኣት ልብን ክመርሕ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ኣገዳሲ ናይ ጥዕና መልእኽቲ ኣቕሪቡ። ፕሮግራም PrevRHD ብቐጻሊ ኣብ ቤት ትምህርቲን ማሕበረሰብን ናይ ግንዛበ ስራሕ ብምክያድ፣ ሕማም ልቢ ሩማቲክ ክከላኸል ዝኽእል ሕማም ምዃኑን ቀልጢፍካ ሕክምና ምድላይ ካብ ናይ ዕድመ ምሉእ ሕማም ልቢ ከም ዝከላኸል ንህጻናትን መንእሰያትን ምምሃር ክኽፅል ምዃኑ ተሓቢሩ።

Share this post on:

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *