መቐለ፣ ኢትዮጵያ – መስከረም 18, 2018 ፕሮግራም ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሩማቲክ ሕማም ልቢ (PrevRHD IV) ኣብ ክልል ትግራይ: ኣብ ዞባ መቐለን ከባቢኣን ከተማታት ትግራይ ኣብ ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝተኻየደ ፕሮግራም ተጀሚሩ።
እዚ ናይ መጀመርታን ካልኣይን ደረጃ ምክልኻል ሕማም ረኽሲ ጉሮሮ፡ ቅርጥማታዊ ረስኒ፡ ከምኡ’ውን ሕማም ሩማቲክ ልቢ ዕላማ ዝገበረ ናይ ማሕበረሰብ ግንዛበ ምፍጣር ተበግሶ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19ን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናትን ስዒቡ ተቛሪፁ ዝነበረ ኮይኑ፣ ካብ 2017 ጀሚሩ ክቕፅል ክኢሉ እዩ። ሓፈሻዊ ዕላማ እዚ ፕሮግራም ግንዛበ ምፍጣር ዘጠቓለለ ኩለመዳያዊ ሸኽሚ እዚ ሕማም ንምንካይ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ንዝርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና ምምሃር፣ ምስ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ዝነብሩ ኣካላት፣ መምህራንን ተማሃሮን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ማሕበረሰብ ምስትሃር እዩ።
ዝምልከቶምን መዳርግቲ ኣካላትን እዚ ፕሮግራም
እዚ መደብ ቀንዲ መዳርግቲ ኣካላትን ዝምልከቶም ኣካላት ዘራኸበ ኮይኑ፡ ንሳቶም ድማ፤
- ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣመራርሓን ሰብ ሞያ ጥዕናን
- ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይን መምህራንን
- ትግራይ ማሕበር ልቢ
- በተወሳኺ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ወሰንቲ ናይ ጥዕና ጉዳያት መፍትሒ ኣስተዋፀኦ ኣብ ምግባር ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ይርከቡዎም
ኣቲ ምጅማር ምድላው ብምዝገባ ተሳተፍቲ ዝጀመረ ኮይኑ ስዒቡ ድማ ብኣተሓባባሪ PrevRHD IV ኣይተ ፍቕረ ኣብርሃ ነቲ መደብ ምልላይ ተኻይዱ። ኣብቲ መደብ ምስ ሰብ ሞያ ጥዕናን ወከልቲ ወሰንቲ ትካላትን ስፍሕ ዝበለ ዘተን ተኻይዱ።
መኽፈቲ መደረ
ዶ/ር ኣብርሃ ሃይሉ ዳይሬክተር እቲ ፕሮግራም ንኹሎም ተሳተፍቲ እንኳዕ ደሓን መፃእኩም ብምባል ካብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ፣ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ፣ ከምኡ እውን ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለ–ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዝተዓደሙ ተወከልቲ ምስጋና ኣቕሪቦም። ንትካል ኢትዮጵያ ዊተን / GIZ / ክሊኒክ ፓርትነርሻፍተን ፍሉይ ምስጋና ብምግላጽ፡ ብፍላይ ደማ ነቶም ካብ ኢትዮጲያ ዊተን ካብ 2016 ጀሚሮም ኣብ መደብ PrevRHD ብቐረባ ዝተሓባበሩ: ዶክተር ጂ ዌህር፡ ዶክተር ኣሕመዲን እድሪስ፡ ዶክተር ክርስቲያን ሌውነር ኣመስጊኑ።
ዶክተር ኣብርሃ፡ ምክልኻል ሕማም ረኽሲ ጉሮሮ፣ ቅርጥማታዊ ረስኒን ሩማቲክ ሕማም ልቢን ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ምውህሃድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ፡ ነዚ ደማ ናይ ትምህርቲ ትካላት ንዚ ክፍተት ክፈትሑ ፀዊዖም። ብተወሳኺ ኩሎም ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ምክልኻልን ምሕደራን ሩማቲክ ሕማም ልቢ እኹል ግንዛበ ክህልዎም ይግባእ ብምባል ተበፃሕነትን ዝርገሐን Benzathine Penicillin G — ኣብ ምክልኻል ሩማቲክ ሕማም ልቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ መድሓኒት ምዃኑን ምስ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሃገራዊ ተግባራውነት ዝሰማማዕ ብኣፍ ዝውስውድ ፔኒሲሊን V ከም ኣማራጺ ከተኣታቱን ኣተሓሳሲቡ።
"ናይ ሓባር ዓላማ ንምስኻዕ ብሓባር ክንሰርሕ ግድን እዩ" — ዶ/ር ኣብርሃ ሃይሉ
ዶክተር ቴዎድሮስ ጎበዛይ ወኪል ብሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ሓላፊ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማትን (NCDs) ብዛዕባ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሃገርን ብክልልን ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ኣረዲኡ።
"ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ብትኽክለኛ ስትራተጂን ተሳትፎ ሕብረተሰብን 80% ምክልኻል ዝኽእሉ እዮም። ፕሮግራም PrevRHD ነዞም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ናይ ጥዕና ብድሆታት ንምፍታሕ ወሳኒ ስጉምቲ ኮይኑ 100% ምክልኻል ዝኽእል እዩ።" — ዶክተር ቴዎድሮስ ጎበዛይ
ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ምስ ጉጅለ PrevRHD ብምትሕብባር ኣብ ውፅኢታዊ ስጉምትታት ምክልኻል ንምስራሕ ዘለዎ ተወፋይነት ኣረጋጊፁ።
ዶ/ር ኣብርሃ ገብረግዚኣብሄር ዋና ክሊኒካል ዳይሬክተር መቐለ ዩኒቨርሲቲ -ዓይደር ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ነቲ መደብ ክሳኻዕ ንዝገበርዎ ደገፍ ኩሎም ዕዱማት ኣጋይሽን መዳርግቲ ኣካላትን ኣመስጊኖም። ብዶ/ር ኣብርሃ ሃይሉ ብትግርኛ ዝተፅሃፈት ናይ RHD መፅሓፍ ንኢዱ።
"እታ መፅሓፍ ብትግርኛ ኣንቢበያ፡ ንሳ ድማ ኩሉ ብዛዕባ ሩማቲክ ሕማም ልቢ፡ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዘጠቓለለት ብዙሕ ሓበሪታ ዝሓዘት መፅሓፍ እያ።" — ዶ/ር ኣብርሃ ገብረግዚኣብሄር
ኣብ ኩሉ ደረጃታት ምክልኻል ፡ ናይ መጀመርያ፡ ካልኣይ ደረጃን ሳልሳይ ደረጃን - ቅርጥማታዊ ረስኒ/ሩማቲክ ሕማም ልቢ ምፍታሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምሕባር መቐለ ዩኒቨርሲቲ - ዓይደር ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ኣብቲ ተበግሶ ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ወ/ሮ ስላስ ኣርኣያ ን ቢሮ ትምርቲ ክልል ትግራይ ወኪላ ኣብ ዙርያ ጥዕና ዘሎ ኣረኣእያን ባህርያትን ሕብረተሰብ ኣብ ምቕራጽ ኣገዳሲ ተራ መምህራን ኣጉሊሀን።
"መምህራን ንጉዳያት ጥዕና ዝምልከት ኣረኣእያን ባህርያትን ካልኦትን ንምቕያር ዝዓዘዘ ግደ ዘለዎም ሰባት እዮም።" — ወ/ሮ ሲላስ ኣርኣያ
ሞያዊ ምይይጣት
| ዝቐረበ ኣርእስቲ | መቕረቢ | መመያየጢ |
|---|---|---|
| The Burden of Rheumatic Heart Disease: Current and Previous PrevRHD Programs | ዶ/ር ኣብርሃ ሃይሉ | ዶ/ር ተስፋይ |
| Tonsillopharyngitis and Acute Rheumatic Fever | ዶ/ር ኣለምሰገድ | ዶ/ር ሓጋዚ |
| Tertiary Prevention of RHD: Complications and Management | ዶ/ር ክብረኣብ | ዶ/ር ሓጋዚ |
ዶክተር ኣብርሃ ሃይሉ ነቲ ቴክኒካዊ ናይ ምይይጥ መድረኻት ብምኽፋት ብዛዕባ ፅልዋ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ኣብ ሕብረተሰብ ከምኡ’ውን ገምጋም ዓወታትን ብድሆታትን ናይ ቅድሚ ሐዚ ተበግሶታት PrevRHD ብምክያድ ዳግማይ ፃዕርን ስትራተጂታትን ክትግበሩ ሓቢሩ።
ዶክተር ኣለምሰገድ ብዛዕባ ቶንሲሎፋሪንጅይትን ቅርጥማታዊ ረስኒን፣ ንለበዳ፣ ምልክታትን ኣማራፂታት ሕክምናን ዝሽፍን፣ ከምኡ’ውን ናይ መፃኢ ፀገማት ሩማቲክ ሕማም ልቢ ንምንካይ ኣቐዲምካ ምርመራን ሕክምናን ንክግበር ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ ዶክተር ክብረኣብ ብዛዕባ ሳልሳይ ደረጃ ምክልኻል ሩማቲክ ሕማም ልቢ ኣቕሪቡ፣ ከም ድኻም ልቢ፣ ኣትሪያል ፊብሪለሽን፣ ኢንፌክቲቭ ኢንዶካርዲተስ፣ ምስ ጥንሲ ዝተኣሳሰሩ ናይ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ፀገማትን ወቕዒን ዝመሳሰሉ ፀገማት ዝሽፍን ደማ ነይሩ። ኣድላይነት ኩለመዳያዊ ትልምታት ምሕደራ፡ ኣገዳስነት ምምስራት ዓቕሚ መጥባሕቲ ልቢ ኣብቲ ክልል፡ ከምኡ’ውን ዋጋ ምክትታል ክንክንን ስርዓታት ደገፍ ማሕበረሰብን ኣብ ምምሕያሽ መነባብሩ ሕሙማት ዘለዎ ዕዙዝ ግደ ኣስሚሩሉ።
ምይይጥ ፓነል
እቲ መደብ ብዶ/ር ኣብርሃ፣ ዶክተር ኣለምሰገድ፣ ዶክተር ቴድሮስ ፣ ዶክተር ሓጋዚ ፣ ዶክተር ክብረኣብ ብዘካየድዎ ናይ ፓነል ምይይጥ እንትዛዘም፣ እቲ ፓነል ንሕቶታት ተዓዘብቲ መሊሱ ኣብ መላእ ትግራይ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ንምምካትን ኣወሃህባ ክንክን ጥዕና ንምምሕያሽን ዝግበር ሓባራዊ ፃዕርታት ዝምልከት ምርድዳእ ተገይሩ።
ዶክተር ኣብርሃ ካብቲ ምይይጥ ፓነል ንዝቐረቡ ሕቶታት መልሲ ብምሃብ ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓባራዊ ተወፋይነት ንከጠናኽሩ ደጊሙ ፃውዒት ገይሩ።
መዕፀዊ
እቲ መደብ ወኪል ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ብዝሃቦ መግለፂ ዝተዛዘመ እንትኾም፡ ንሱ ድማ ኣገዳስነት መደብ PrevRHD ኣብ ምክልኻል ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ገሊፁ። እቲ መደብ ንመርበብ ሓበሬታን ምትሕብባርን ተወሳኺ ዕድል ብምሃብ ብናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ተናዊሑ። ኣብ መወዳእታ ጉጅለ PrevRHD ንመፃኢ ርክብ ንምግባር ብምዕላም ካብ መዳርግቲ ኣካላት ተወከልቲ መሪፁ።
Report this post
Select a reason. You may optionally add more details.












