ዓለምለኸ መዓልቲ ልቢ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ።

Share this post on:

ዓለምለኸ መዓልቲ ልቢ 2018 ዓ/ም "ዋላ ሓንቲ ህርመት ልቢ ከይትሞልቐና!" ብዝብል መሪሕ ቃል ብብርኪ ዓለም ንመበል 25 ዓመት ኣብ ትግራይ ድማ ኣብ ሞንጎ ብምኽንያት ኮሮናን ኲናትን ዝተቋረፀሉ ግዘ እንተነበረ'ውን ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ን10 ዓመት እናተኸበረ መፂኡ እዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ልቢ ድማ ብሆስፒታል ዓይደር ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብ 24 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ሮማናት ኣደባባይ በዞም ዝስዕቡ መርሃ ግብሪታት ዝተጀመረ ኮይኑ

  • መዕበዪ ግንዛበ ትምህርቲ
  • ነፃ ግልጋሎት ነፃ ምርመራ ፀቅጢ ደም (BP)
  • ምርመራ ሕማም ሽኮር (RBS) ምርመራ ቁመትን ክብደትን (BMI%)
  • ምዕቃን ዙርያ ከብዲ
  • ምልጋስ ደም ተዋሂቡ እዩ

እቲ ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ልቢ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ሎሚ ሰንበት 25/2018 ዓ/ም ዝቐፀለ ኮይኑ ካብ ኣደባባይ ሮማናት ብማርሽ ባንድ ተዓጂቡ ናይ እግሪ ጉዕዞ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ብምግባር ቀፂሉ።

ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓርነት ኣዳነ ኣብዘሕለፍዎ መልእኽቲ ሕ/ሰብ ብሓፈሻ ኣብ ጥዕንኡ ግንዛበ ከዕቢ ሆስፒታል ዓይደር ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ልዑል ግደ ይፃወት ከምዘሎ ብምሕባር ሐዚ'ውን ሕማም ልቢን ሰራውር ደምን ዘምፅኦ ሳዕቤን መሰረት ብምግባር ዝተገበረ ወፍሪ ነፃ ምርመራን መዕበዪ ግንዛበን ንኢዶም። ካልኦት ትካላት ጥዕና ድማ ተመሳሳሊ ኣሰር ክኽተሉ ብምምዓድ ከም ቢሮ ኣብ ቀፃሊ ስራሕትኹም ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር ኣካደሚክን ምርምርን ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፕሮፌሰር ሃፍቱ በርሀ ብግድኦም ሕማም ልቢን ሰራውር ደምን ኣባና ጥራሕ ዘይኮነስ ብደረጃ ዓለም ትኹረት ካብዘይረኸቡ ሕማማት ከምዝኾነ ብምግላፅ ንኣብነት ንተሽከርከርቲ በብዓመቱ ንድሕንነት ምርመራ እንትካየድ ንሕና ደቂ ሰባት ግና ጥዕናዊ ምርመራ ብዝግባእ ምግባር ከምዘይከኣልና ኣብሪሆም። ስለዝኾነ ትካልና ብዝኸኣሎ ዓቕሚ ንረብሓ ሕ/ሰብ ካብዚ ብዝሐሸ መልክዑ ክሰርሕ እዩ ኢሎም።

ንትግራይ ልቢ ማሕበር ወኪሎም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕሬዚደንት እቲ ማሕበር ዶ/ር ፀሃየ ኣስመላሽ ማሕበሮም ኣባል ማሕበር ፈደረሽን ዓለም ንምግባርን ኣብ ምዕባይ ግንዛበን ንምስራሕ ትልሚ ሒዙ ከምዝሰርሕን ብምግላፅ ነዚ ግና ተሳትፎ ሕ/ሰብ ተዘይተሓዊስዎ ብኣባላት እቲ ማሕበር ጥራሕ ክስራሕ ከምዘይክእል ኣብሪሆም። ነዚ ማሕበር እግሪ ክተክል ዝፅዕሩ ዘለዉ ኣካላት ድማ ምስጋንኦም ኣቕሪቦም።

ስፔሻሊስት ሕክምና ልቢ ዶ/ር ኣብርሃ ሃይሉ መንቀሊ ሕማም ልቢ፡ ዕላማ ኣከባብራ ዓለም ለኸ መዓልቲ ልቢን ግልጋሎት ሕክምና ልቢ ኣብ ሆስፒታል ዓይደርን ኣመልኪቶም ብዝርዝር ኣቕሪቦም። ሕማም ልቢ ብባክቴርያ ዝመፅእ ቁስለት ጎሮሮ፣ ፀቕጢ ደም፣ ሕማም ሽኮርን ካልኦት ተዛመድቲ ፀገማት ዝኽሰት ኮይኑ ብእዋኑ ብቐሊሉ ክሕከም ዝኽእል ምዃኑ ገሊፆም። ካብ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት እቲ 35 % ዝኾን ሞት ዘጋጥም ናይ ልቢ ሰራውር ደም ከምዝኮነን ሕማም ልቢ ንምክልኻል ድማ ጠንቂ ሕማም ልቢ ምልላይ ወሳኒ ምዃኑ ዝሓበሩ ዶ/ር ኣብርሃ ሃይሉ ኣብ ዓድና ቀንዲ ጠንቂ ሕማም ልቢ ብቐሊሉ ዝሕከም ብቶንሲል/ሃናት ዝመፅእ ቁስለት ጎሮሮ ከምዝኾነ ገሊፆም። ቀፂሎም ድማ ነዚ ዕዉት ክኸውን ዝሓገዙ ኩሎም ምስጋንኦም ገሊፆም።

ቀዳም 24/2018 ዓ/ም ኣብ ሮማናት ን 171 ወገናት ኣብዝተገበረ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ወይ ነፃ ምርመራ ኣብ ሕማም ሽኮርን ፀቕጢ ደምን ሓደሽቲ ተቓላዕቲ ከምዝተረኸብዎም ብዶ/ር መሓመድ ኣወል መሓመድ ንጉስ ዝቐረበ ሪፖርት ይሕብር።

ብዘርኢን ብዕድመ ዝመፁ ጠንቂታት ተዘይኮይኖም ዝበዝሑ

  • ኣመጋግባ ብምስትኽኻል
  • ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባር
  • ኣልኮላዊ መስተ ብምቕናስ
  • ክብደት ብምቕናስ
  • ሽጋራ ብዘይምትካኽን
  • ብእዋኑ ብምምርማርን ብምሕካምን

ዓርስና ጠንቂ ጥዕና ልቢ ምክልኻል ከምዝከኣል ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

Share this post on:

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *