ምክልኻል ሩማቲክ ሕማም ልቢ

Share this post on:

ሩማቲክ ሕማም ልቢ (RHD) ኣብ ብዙሓት ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት፣ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፣ ደቡብ እስያን ክልል ፓሲፊክን፣ ኣብ መንጎ ህጻናትን መንእሰያትን ካብቶም ብቐሊሉ ክከላኸሉ ዝኽእሉ ዋና መንቀሊ ምኽንያታት ሕማም ልቢ ሓደ እዩ። ኣብ መብዛሕትአን ልዑል እቶት ዘለወን ሃገራት RHD ብበዝሒ ዋላኳ ዘይረአ እንተኾነ፣ ብሰንኪ ኣገልግሎት ጥዕና ዘይምግዳሽ፣ ዝደንጎየ ምልላይ ናይ ስትሪፕቶኮካል ረኽሲ ጉሮሮን ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ሚልዮናት ሰባት ፅልዋ የሕደር።

እቲ ፅቡቕ ሓቂ ግን፣ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ክከላኸል ዝከኣል ሕማም እዩ። መብዛሕትኦም ጉዳያት ብዘይተሓከም Group A Streptococcal (GAS) ረኽሲ ጉሮሮ፣ ብሓፈሻ strep throat ተባሂሉ ዝፍለጥ፣ ይጅምሩ። ብግዜኡ ምልላይን ግቡእ መድሓኒትምሃብን ቅርጥማታዊ ረስኒ ክከላኸል ይኽእል። ቅርጥማታዊ ረስኒ ንቫልቭታት ልቢ ዘላቒ ጉድኣት ከውርድን ናብ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ከምርሕን ይኽእል።

ሩማቲክ ሕማም ልቢ ንምክልኻል ቤት ትምህርቲታት፣ ስድራቤታት፣ ትካላት ጥዕና፣ መንግስታት፣ ማሕበራዊ ውዳበታትን ህዝብን ብሓባር ዝሰርሑሉ ዝተዋሃሃደ ፃዕሪ የድሊ። ካብ ሕማም ጉሮሮ ናብ ሕማም ልቢ ዝወስድ ከይዲ ንምቁራጽ፣ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም።

ምክልኻል ሩማቲክ ሕማም ልቢ ኣብ 4 ደረጃታት ክስራሕ ይከኣል

  • ቅደመክልኻል
  • ቀዳማይ ደረጃ ምክልኻል
  • ካልኣይ ደረጃ ምክልኻል
  • ሳልሳይ ደረጃ ምክልኻል

ንምኽንያታትን ሓደጋታትን ናይ RHD ቅድሚ ምፍጣሮም ምክልኻል።

ዋና ዋና ተግባራት ቅድመ ምክልኻል ሩማቲክ ሕማም ልቢ

ኩነታት መነባብሮ ምምሕያሽ

ኣብ ሓደ ገዛ ብዙሓት ሰባት ተጨናኒቖም ምንባር፣ ምትሕልላፍ ናይ ስትሪፕቶኮካል ባክቴርያ ክውስኽ ይገብር። ማሕበረሰባት ድማ ነዞም ዝስዕቡ ብምትግባር ምክልኻል ይኽእል፦

  • ዝሓሸ መንበሪ ገዛ ምድላው
  • እኹል ኣየር ምእታውን ምውጻእን
  • ምጭንናቕ ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ምቕናስ
  • ቀረብ ጽሩይ ማይ

ምምሕያሽ ኣመጋግባ

ዘይስሩዕ ኣመጋግባ ዘለዎም ህጻናት መብዛሕትኡ ግዜ ዝደኸመ ናይ ሰውነት መከላኸሊ ስርዓት ክህልዎም ይኽእል። ቤት ትምህርትታትን ማሕበረሰባትን ነዞም ዝስዕቡ ክተባብዑ ኣለዎም፦

  • ሚዛናዊ ኣመጋግባ
  • ቫይታሚናት ዘለዎም ምግብታት ምምጋብ
  • ግቡእ ኣመጋግባ ህጻናት ምሕላው

ፅሬት ምትብባዕ

ቀለልቲ ናይ ጽሬት ልምድታት ምትሕልላፍ ባክቴርያ ንምቕናስ ይሕግዙ። ኣገደስቲ ልምድታት ድማ፦

  • ኣእዳው ብተደጋጋሚ ምሕጻብ
  • ክነሀንጥስ ከለና ኣፍካ ምሽፋን
  • ናይ ምስታይ ብርጭቆ ወይ ኩባያ ምክፋል ምውጋድ
  • ክፍልታት ትምህርቲ ምፅራይ ጎሓፍ ብግቡእ ምውጋድ

ቀዳማይ ደረጃ ምክልኻል (Primary Prevention) ብቐሊሉን ብውሑድ ወፃኢን ቅርጥማታዊ ረስኒ ንምክልኻል ውጽኢታዊ ስትራተጂ እዩ። እዚ ድማ ናይ ስትሪፕቶኮካል ሕማም ጉሮሮ ብግዜኡ ብምልላይን ብግቡእ መንገዲ ንምፍዋስን ይጠቅም።

ደረጃ 1፦ ምልክታት ምልላይ

ወለዲ፣ መምህራንን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ናይ ምልክታት ከለልዩ ይግባእ።

ምልክታት ድማ፦

  • ብሃንደበት ዝመጽእ ሕማም ጉሮሮ
  • ረስኒ
  • ኣብ ግዜ ምውሓጥ ቃንዛ
  • ዝሓበጡ ቶንሲላት ጻዕዳ ልጣፋት ኣብ ቶንሲላት
  • ኣብ ክሳድ ቃንዛ
  • ሰዓል ዘይምህላው — መብዛሕትኡ ግዜ ባክቴርያዊ ረኽሲ ክኸውን ከምዝኽእል ዘመልክት

እዞም ምልክታት ዘርእይ ዝኾነ ህጻን ብቕልጡፍ ናብ ሰብ ሞያ ጥዕና ክውሰድን ክግምገምን ኣለዎ

ደረጃ 2፦ ብሓኻይም ምምርማር

ሰራሕተኛታት ጥዕና ናይ ሕሙም ታሪኽ ጥዕና ብምርዳእ፣ ጉሮሮ ክምርምሩ፣ ረስኒ እንተሎ ክግምግሙ፣ ዝሓበጡ ናይ ክሳድ ሊምፍ ግላንድታት ክምርምሩ፣ ከምኡውን ቫይረሳዊ ረኽሲ ካብ ባክቴርያዊ ረኽሲ ክፈልዩ ኣለዎም። ኣገልግሎት እንተሃልዩ Rapid Strep Test ክጥቀሙ ይኽእሉ። Throat culture ድማ ከም ኣማራጺ መርመራ ክግበር ይከኣል።

ደረጃ 3፦ ግቡእ መድሓኒት ምውሳድ

ውድብ ጥዕና ዓለም ብስትሪፕቶኮከስ ዝመፀ ረኽሲ ጉሮሮ ብመርመራ እንተተረጋጊጹ ወይ ብጽኑዕ እንተተጠርጠረ፣ ኣንቲባዮቲክ ሕክምና ክወሃብ ይምክር። ቀዳማይ ምርጫ፦ ሓንሳብ ጥራይ ናብ ዝወሃብ Benzathine Benzylpenicillin G መርፍእ። ኣማራጺ፦ ብኣፍ ዝውሰድ Penicillin V ን10 መዓልቲ። ኣለርጂ ፔኒሲሊን እንተሃልዩ፦ Azithromycin፣ Erythromycin ወይ ካልኦት ዝተመከሩ ኣንቲባዮቲክታት። ሕሙማት ድማ ነቲ ዝተዋህቦም ምሉእ ግዜ ምውሳድ ሕክምና ክውድኡ ኣለዎም።

ዕላማ ናይዚ ምክልኻል ድማ ተደጋጋሚ ቅርጥማታዊ ረስኒ ንምክልኻልን ተወሳኺ ጉድኣት ቫልቭ ልቢ ንኸይፍጠር ንምክልኻልን እዩ። ሓደ ሕሙም Acute Rheumatic Fever ምስ ኣጋጠሞ፣ ተደጋጋሚ ናይ ስትሪፕቶኮካል ረኽሲታት ናይ ልቢ ጉድኣት ናይ ምግዳድ ሓደጋ ብኣዝዩ ዓቢ መጠን ይውስኹ። ካልኣይ ደረጃ ምክልኻል (Secondary Prevention) ንነዊሕ ግዜ ዝወሃብ ናይ ኣንቲባዮቲክ መከላኸሊ ሕክምና የጠቓልል።

መከላኸሊ ብBenzathine Penicillin

ሕሙማት Benzathine Benzylpenicillin G በቢ 3–4 ሰሙን ይወስዱ። እቲ ዝወሃበሉ ግዜ ድማ ኣብ ዕድመ፣ ኩነታት ቫልቭ ልቢ፣ ዝሓለፈ ናይ ቅርጥማታዊ ረስኒ ጥቕዓታት ከምኡውን ሃገራዊ መምርሒታት ይድረኽ። ብዙሓት ሕሙማት እዚ ሕክምና ን10 ዓመት፣ ወይ ክሳብ 21 ዓመት ዕድመ የድልዮም። ኣብ ገለ ኩነታት ድማ ክሳብ 40 ዓመት ወይ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ንምሉእ ህይወት ክቕጽል ይኽእል።

ምዝገባን ኣደሓሕዛ መዝገብ ሕሙማት

ትካላት ጥዕና ናይ Rheumatic Heart Disease (RHD) መዝገብ ሕሙማት ክሕዙ ኣለዎም፣ እዚ ድማ ስም ሕሙም፣ ዕድመ፣ ምርመራ ሕማም፣ መርፍእ ዝውገአሉ ቆፀሮ፣ ዝተረስዑ መጠናት መድሓኒት ናይ ክትትል ቆጸራታትን ከጠቓልል ኣለዎ።

ናይ ኤሌክትሮኒክ መዘኻኸሪ ስርዓታት ድማ ሕሙማት ንመደብ ሕክምናኦም ብትኽክል ንኽኽተሉ ይሕግዙ።

ዕላማ ናይዚ ደረጃ ምክልኻል ድማ ዝተረጋገጸ Rheumatic Heart Disease (RHD) ዘለዎም ሕሙማት ናይ ስንክልና መጠን ንምቕናስን ፅሬት ህይወቶም ንምምሕያሽን እዩ።

እዚ ድማ ብቐጻሊ ናይ ልቢ ሓኪም ክትትል፣ Echocardiography፣ ምሕደራ ሕማም ድኻም ልቢ፣ መጥባሕቲ ሕክምና ቫልቭ ልቢ፣ ቫልቭ ምትካእ፣ ናይ ጥንሲ ምኽሪ፣ ከምኡውን ምክልኻል Endocarditis የጠቓልል።

Share this post on:

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *