ሕማም ጉሮሮ (pharyngitis ወይ tonsillitis) ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ መላእ ዓለም ብብዝሒ ዝርአ ሕማም እዩ። መብዛሕትኦም እዞም ሕማማት ብቫይረስ ዝመጹ ኮይኖም፣ ብዘይ መድሓኒት እውን ብባዕሎም ይፍወሱ። ይኹን እምበር፣ ሓደ ሓደገኛ ዓይነት ሕማማ ረኽሲ ጉሮሮ Group A Streptococcus (GAS) ተባሂሉ ብዝፍለጥ ባክቴርያ ይመጽእ።
እዚ ብGAS ዝመጽእ ረኽሲ ጉሮሮ እንተዘይተፈዊሱ፣ ቅርጥማታዊ ረስኒ ዝበሃል ከቢድ ፀገም ከስዕብ ይኽእል። እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ =ሩማቲክ ሕማም ልቢ ክስዕብ ይኽእል።
ሩማቲክ ሕማም ልቢ (Rheumatic Heart Disease – RHD) ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት፣ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፣ ኣብ መንጎ ህጻናትን መንእሰያትን ሓደ ካብ ዋና ምኽንያታት ናይ ሕማምን ሞትን ልቢን ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ። ኢትዮጵያ እውን ልዑል ምስፍሕፋሕ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ።
ሓደ ካብቶም ንሩማቲክ ሕማም ልቢ ንምክልኻል ውፅኢታዊ ስጉምትታት፣ Benzathine Penicillin G (BPG)ምውጋእ ቶንሲላይቲስ ኣብ ግዜኡ ንምፍዋስ ይሕግዝ። ይኹን እምበር፣ ብዛዕባ BPG ዘለዉ ጌጋ እምነታትን ዘይትኽክል ሓበሬታታትን ብዙሕ ግዜ ናብ ምድንጓይ ሕክምና፣ ዘይግቡእ ምክትታል ሕክምና፣ ከምኡውን ኣብ መንጎ ሕሙማት፣ ስድራቤታትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዘይኣድላዪ ፍርሒ ይርአ።
ቤንዛታይን ጂ እንታይ እዩ?
Benzathine Penicillin G (BPG) ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ መርፍእ ኣንቲባዮቲክ ኮይኑ፣ ኣብ ደም ዝርከብ ፔኒሲሊን ቀስ እናበለ ብምልቃቕ ንኣስታት 2–4 ሰሙን ይቕጽል።
ካብ ብኣፍ ዝውሰዱ ኣንቲባዮቲክታት ብዝተፈልየ፣ BPG ሓንሳብ ናብ ጭዋዳ ብመርፍእ ምስ ተወግአ፣ ንነዊሕ ግዜ ባክቴርያ ንምቕታል ዝኽእል መጠን ፔኒሲሊን ኣብ ደም ክህሉ ይገብር። ስለዚ፣ ሕክምና ብትኽክልን ብቐጻልነትን ምክትታል ኣብ ዝኸብደሉ ኩነታት ኣገዳሲ እዩ።
ቤንዛታይን ጂ ንምንታይ ይውሰድ?
ካብዞም ዕላማታት ምክልኻል ድማ፣ ምክልኻል ቅርጥማታዊ ረስኒ ቀዲምካ ሕማም ጉሮሮኣብ ግዜኡ ምፍዋስ እዩ።
ቤንዛታይን ፔንሲሊን ከመይ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ይከላኸል?
ቤንዛታይን ፔንስሊን፣ Group A Streptococcus (GAS) ባክቴርያ ስርዓተ ምክልኻል ሰውነት ነቲ ቅርጥማታዊ ረስኒ ዘስዕብ ናይ ምክልኻል (autoimmune) ምላሽ ቅድሚ ምጅማሩ ንክወግዶ ይገብር። መፅናዕትታት ብተደጋጋሚ ከምዘረጋገፅዎ፣ ሕክምና ኣብ መጀመርታ ምልክታት ውሽጢ 9 መዓልቲ እንተተጀሚሩ፣ ኣብ መጀመርታ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ሓደጋታት ቅርጥማታዊ ረስኒ ዳርጋ ኩሎም ብውጽኢታዊ መንገዲ ክከላኸሉ ይኽእሉ።
እቲ መድሓኒት ብቐጥታ ሕማም ልቢ ኣይከላኸልን። ይኹን እምበር፣ ነቲ እቲ ዘይንቡር ናይ ምክልኻል ስርዓተ-ሰውነት ምላሽ ዝቀስቅስ ባክቴርያ ብምውጋድ፣ ARF ከምዘይፍጠር ብምክልኻል ኣብ መወዳእታ ንRheumatic Heart Disease (RHD) ንምክልኻል ይሕግዝ።
ኣብ መንጎ ዝወሓጥን ዝውጋእን ፔንስሊን ዘሎ ኣፈላላይ
| መዐቀኒ | Benzathine Penicillin | Oral Penicillin |
|---|---|---|
| ዝውሰደሉ መዓልቲ | 2–4 ሰሙን ኣፈላላይ | 10 መዓልታት |
| ንቖፀሮ ዝምችው | ብጣዕሚ ምቹው | ብዝተወሰነ መልክዑ መፀገሚ |
| መጠን | ሓደ | ብመዓልቲ ብዙሕ ፍረ |
| ሩማቲክ ሕማም ልቢ ምክልኻል | ብጣዕሚ ፅቡቕ | ብጣዕሚ ፅቡቕ ብኣግባቡ እንተተወሲዱ |
| ምርሳዕ ምውሳድ እቲ መድሓኒት | ኣይርሳዕን | ናይምርሳዕ ተኽእሎ ሰፊሕ እዩ |
ምልክታት እንትረኣዩ ሕክምና ኣብ ውሽጢ 9 መዓልቲ ክጅመር ኣለዎ፣ እዚ ድማ ቅርጥማታዊ ረስኒ ብውጽኢታዊ መንገዲ ንምክልኻል ይሕግዝ። ምልክታት ምሕያሽ ዋላ ከርእዩ እንተጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 9 መዓልቲ ግቡእ ሕክምና ምውሳድ ኣገዳሲ ጥቕሚ ኣለዎ።
ደሕንነት ቤንዛታይን ፔንስሊን
BPG ንልዕሊ 70 ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ክጥቀመሉ ጸኒሑ እዩ። ዝተለመዱ ቀለልቲ ጎድናዊ ሳዕቤናት ድማ፦
- ኣብ ዝተወግአሉ ቦታ ቃንዛ
- ቀሊል ምብጣሕ (swelling)
- ንግዚኡ ምቕያር ሕብሪ ቆርበት ናብ ቀይሕ
ሰብ ሞያ ጥዕና BPG ቅድሚ ምውጋእ፣ ሕሙም ኣብ ቀደም ከቢድ ናይ ፔኒሲሊን ኣለርጂ ተመክሮ ኣጋጢሙዎ ምንባሩ ኩሉ ግዜ ክግምግሙ ኣለዎም። ከምኡውን anaphylaxis (ከቢድን ብሃንደበትን ዝመጽእ ናይ ኣለርጂ ምላሽ) እንተተፈጢሩ ብቕልጡፍ ንምሕካም ድሉዋት ክኾኑ ኣለዎም።
ግጉይ ርድኢታት ቤንዛታይን ፔንስሊን
ግጉይ ኣረዳድኣ 1: ቤንዛታይን ፔንስሊን ሞት የስዕብ
እቲ ሓቂ:
Benzathine Penicillin (BPG) ባዕሉ ብባህሪኡ ሓደገኛ ኣይኮነን። ሞት ዘስዕቡ ጉዳያት እቲ ዝበዝሐ ድማ ኣብ ተሓከምት ሰባት ዝኽሰት ከቢድ ናይ ኣለርጂ ምላሽ (anaphylaxis) እዩ፤ እዚ ድማ ካብ መርዛማነት ናይቲ መድሃኒት ዝመጽእ ኣይኮነን።
ብትኽክል ናይ ኣለርጂ ምርመራ ምግባርን ንህጹጽ ኩነታት ብቑዕ ድልውነት ምህላውን እንተተረጋጊጹ፣ BPG ብሓፈሻ ኣዝዩ ውሑስ ኣንቲባዮቲክ እዩ።
ግጉይ ኣረዳድኣ 2፡ኩሉ ሕማም ረኽሲ ጉሮሮ ዘጋጠሞ ቤንዛታይን ፔንስሊን ክውጋእይ ይግባእ
እቲ ሓቂ:
መብዛሕትኡ ሕማም ጉሮሮ ብቫይረስ ዝመጽእ ስለዝኾነ፣ ኣንቲባዮቲክ ሕክምና ኣየድልዮን። BPG ድማ GAS (Group A Streptococcus) ረኽሲ ብመርመራ እንተተረጋጊጹ ወይ ብመሰረት ናይ ሕክምና ግምገማ እንተተጠርጢሩ ጥራሕ ክውዕል ኣለዎ።
ግጉይ ኣረዳድኣ 3፡ ብኣፍ ዝውሰድ ፔንስሊን ዝበለፀ ውፅኢታዊ እዩ
እቲ ሓቂ:
ምሉእ 10 መዓልቲ ዝውስድ ናይ ኣፍ ፔኒሲሊን ወይ ኣሞክሲሲሊን ሕክምና ብትኽክል እንተተወሲዱ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ። ይኹን እምበር፣ ብዙሓት ሕሙማት ነቲ ምሉእ ሕክምና ኣይውድእዎን። ስለዚ፣ ሓንሳብ ጥራይ ዝወሃብ መርፍእ BPG ኣብ ተግባራዊ ኩነታት ዝሓሸ ውጽኢት ሕክምና ክህብ ይኽእል።
ግጉይ ኣረዳድኣ 4፡እቲ መርፍእ እንትውጋእ ብሓያል ይቕንዝው
እቲ ሓቂ:
እቲ መርፍእ ቃንዛ ክፈጥር ይኽእል፣ ምኽንያቱ ብመንገዲ ጭዋዳ (intramuscular) ስለዝውጋእ ። ብትኽክለኛ ኣገባብ ምውጋእ፣ ንኣብነት እቲ መድሃኒት ናብ ሙቐት ክፍሊ (room temperature) ክበጽሕ ምፍቃድን ቀስ እናበልካ ናብቲ ዝተመከረ ጭዋዳ ምውጋእን፣ እቲ ዝስማዕ ቃንዛ ንምቕናስ ክሕግዝ ይኽእል።
እቲ ግዜያዊ ቃንዛ ምስቲ ንቅርጥማታዊ ረስኒ ንምክልኻል ዝህቦ ናይ ነዊሕ ግዜ ጥቕሚ ክነጻጸር እንከሎ፣ እቲ ጥቕሚ ዝያዳ ዓቢ እዩ።
ግጉይ ኣረዳድኣ 5፡ ሓደግዜ ምውጋእ ንኩሉግዘ ይከላኸል
እቲ ሓቂ
ሓንቲ መርፍእ ንሓደ ክስተት ናይ Streptococcus ረኽሲ ንምሕካም ። እዚ ግን ንሓዋሩ ዝጸንሕ ናይ ሕማም ምክልኻል ኣይህብን። ሓደሽቲ ረኽስታት ክኽሰቱ ይኽእሉ፣ ከምኡውን ታሪኽ ቅርጥማታዊ ረስኒ ወይ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ዘለዎም ሕሙማት፣ ከም ክፋል ናይ ካልኣይ ደረጃ መከላኸሊ (secondary prevention)፣ ብተደጋጋሚ መርፍእ BPG ክወስዱ የድሊ።
ግጉይ ኣረዳድኣ 6፡ ቅንዛ ጎሮሮ እንተቋሪፁ ሕክምና ኣያድልን
እቲ ሓቂ
ምልክታት ሕማም እቲ ባክተርያ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምውጋዱ ክሓውዩ ይኽእሉ። ኣብቲ ዝተመከረ ግዜ ሕክምና ምዝዛም ግን፣ ናብ ቅርጥማታዊ ረስኒ ዝመርሑ ብስርዓተ-ምክልኻል ሰውነት ዝመፅኡ ፀገማት ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽእል።
ግጉይ ኣረዳድኣ 7፡ ቤንዛታይን ፔንስሊን ሩማቲክ ሕማም ልቢ ይፍውስ
እቲ ሓቂ
ቤንዛታይን ፔንስሊን ዝተፈጠረ ናይ ልቢ ቫልቭ ጉድኣት ክመልስ ኣይኽእልን። ቀንዲ ተራኡ ንመጀመርታ ክስተት ቅርጥማታዊ ረስኒንምክልኻል (primary prevention) ወይ ድማ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ኣብ ዘለዎም ሕሙማት ተደጋጋሚ ናይ GAS ረኽሲ ንምክልኻልን ተወሳኺ ናይ ልቢ ጉድኣት ንምክልኻልን (secondary prevention) እዩ።
ኣድላይነት ማሕበረሰባዊ ጥዕና
ናይ Rheumatic Heart Disease (RHD) – ሩማቲክ ሕማም ልቢ ቀዳማይ ደረጃ ምክልኻል፣ ብግዜኡ GAS tonsillitis ምልላይን ምፍዋስን፣ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘሎ ጥቕዓት ሩማቲክ ሕማም ልቢ ንምቕናስ ዝያዳ ወፅኢታዊ ዝኾነ ስትራተጂታት ሓደ እዩ። መደባት ህዝባዊ ጥዕና ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ትኹረት ክገብሩ ኣለዎም፦
Report this post
Select a reason. You may optionally add more details.


