መእተዊ
ኣብ ወርሒ ለካቲት 2018 ፕሮግራም ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ልቢ (RHD) ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ጥዕና ዓዲሽንድሑን ዑደት ብምክያድ ምስ ምክልኻልን ምሕደራን ረኽሲ ጎሮሮ ስትሬፕቶኮካል፣ ቅርጥማታዊ ረስኒ፣ ከምኡ እውን ሩማቲክ ሕማም ልቢ ዝተኣሳሰሩ ኣገልግሎታት ኣተገባብርኦም ንምግምጋም ኣካይዱ። እቲ ክትትል፡ ፍልጠትን ኣሰራርሓን ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ንምግምጋም፡ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ደማ ጥንካረታትን ጉድለታት ንምልላይ ብምዕላም ፅሬትን ቀፃልነትን ክንክን ንምምሕያሽ ምኽሪ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።
ገምጋም እቲ ዑደት
ኣብቲ ዑደት ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ማእከል ጥዕና ዓዲሺንዱን ኣብ ምርመራ ሕክምናን ምክልኻልን ስትሪፕቶኮካል ረኽሲ ጎሮሮ፣ ቅርጥማታዊ ረስንን ሩማቲክ ሕማም ልብን ፅቡቕ ኣፍልጦን ርድኢትን ከምዘለዎም ተዓዚቡ። እቶም ሰብ ሞያ ሃገራዊ ክሊኒካዊ መምርሒታት ብኣግባቡ ዝፈልጡ ኮይኖም ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ሕክምናን ሪፈራልን ዘድልዮም ሕሙማት ብእዋኑ ኣብ ምፍላይ ዓርሰእምነት ኣርእዮም።
እቲ ጉጅለ ኣብ እዋን ስሩዕ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ፅቡቕ ክሊኒካዊ ኣሰራርሓ እውን ኣስተውዒሉ። ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ምልክታት ቃንዛ ጎሮሮ ሒዞም ዝመፅኡ ሕሙማት ብግቡእ ይምርመሩ ነይሮም። ነቶም ሕሙማት ደማ ኣድለይቲ ትምህርቲ ጥዕና ይህቡን ናይዞም ሕማማት ተርእዮታት ደማ ብዝተደራጀወ መልክዑ መዝገብ ከምዝሕዙ ተራእዩ እዩ። እቶም ሓኻይም ዘይተሓከመ ረኽሲ ጉሮሮ ቅርጥማታዊ ረስኒ ኣብ መወዳእታ ድማ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ንከይሰጋገር ንምክልኻል ተወፋይነት ኣርእዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ማእከል ጥዕና ንፕሮግራም ምክልኻልን ምቁጽጻርን RHD ኣብ ምትግባር ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከምዘርኣየ፣ እቶም ሓኻይም ኣብቲ ዝተገበረ ምይይጥ ክንክን ጥዕና ኣብ ምክትታል ብንጥፈት ተሳቲፎም።
ዝተረአዩ ፀገማት
ዋላ እኳ እቲ ዘተባብዕ ኣፈፃፅማ እንተተራእየ እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኣገደስቲ መድሓኒታት ብፍላይ ድማ ቤንዛቲን ፔኒሲሊን ጂ (ቢፒጂ)ን ኣድሪናሊንን ኣዝዩ ሕጽረት ከምዘሎ ተዓዚቡ። ሕጽረት ቤንዛቲን ፔኒሲሊን ጂ ኣብ ምክልኻል ተደጋጋሚ ቅርጥማታዊ ረስኒን ክስተት ሩማቲክ ሕማም ልቢን ፅልዋ እናሕደረ ይርከብ። ናይዚ መድሓኒት ኣቕርቦት ምቁራጽ ተሓከምቲ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ተደጋጋሚ ቅርጥማታዊ ረስኒን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጸገማት ልብን ክጋለፁ ይኽእል።
ድሕሪ ምውሳድ ፔኒሲሊን ክፍጠር ንዝኽእል ኣለርጂን ኣናፊላክሲስን ንምክልኻል ኣድላይ ዝኾነ ኣድሬናሊን ኣቕርቦት ድሩት ምዃኑ ንውሑስ ኣወሃህባ መርፍእ ቤንዛቲን ፔኒሲሊን ኣፀጋሚ ይገብሮ። ክልቲኦም መድሓኒታት ዘይምህላዎም ንቐጻልነት ኣገልግሎት ብኣሉታ ክጸልዎን ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ኣብ መምርሒ ዝተመርኮሰ ክንክን ብዘይ ስግኣት ናይ ምሃብ ዓቕሞም ከጉድልን ይኽእል።
ካብቲ ገምጋም ዝምከሩ መፍትሕታት
ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብሉፅ ንምግባር ብዘይ ምቁራጽ ምክልኻል ሩማቲክ ሕማም ልቢ ንምርግጋፅን እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ እዞም ዝስዕቡ ምኽሪታት ኣቐሚጡ:
- ብዝተጠናኸረ ምሕደራን ዕድጊትን ቀፃልን እኹልን ቀረብ ቤንዛቲን ፔኒሲሊን ጂን ኣድሪናሊንን ምርግጋፅ።
- ኣብ መኻዚን ዝርከቡ ወሰንቲ መድሓኒታት ብስሩዕ ምክትታልን ኣብ እዋኑ ምትካእ።
- ቀፃሊ ዝኾነ ደጋፍን ክትትልን ብምግባር ነቲ ነቶም ሓኻይም ልዑል ደረጃ ፍልጠትን ክሊኒካዊ ኣሰራርሓን ንክህልዎም ምግባር።
- ኣብ መንጎ ማእከል ጥዕና፣ በዓል መዚ ጥዕና ወረዳታትን ትካላት ቀረብ መድሃኒትን ተረዳዲእኻ ምጥንኻር፣ ተበፃሕነት ህይወት ዘድሕኑ መድሓኒታት ንምምሕያሽ።
መደምደምታ
እቲ ኣብ ማእከል ጥዕና ዓዲሺንዱን ዝተገበረ ዑደት ንመከላኸልን ምቁጽጻርን ሩማቲክ ሕማም ልቢ ዝኸውን ኣገልግሎት ብብቕዓት ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ብቑዓትን ውፉያትን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ከምዘለውዎ ኣረጋጊፁ። ፅቡቕ ዝኾነ ክሊኒካዊ ፍልጠቶምን ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ክንክን ሕሙማት ፅቡቕ ባይታ ፈጢሩ ኣሎ። ይኹን እምበር ንሕፅረት ቤንዛቲን ፔኒሲሊን ጂን ኣድሪናሊንን ውሑስን ውፅኢታውን ኣተገባብራ ብምርግጋፅ ንምክልኻልን ምቁጽጻርን ሩማቲክ ሕማም ልቢ ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
Report this post
Select a reason. You may optionally add more details.

















