ሩማቲክ ሕማም ልቢ ብምክልኻል ኩሉ ልቢ ምከላኸል

ግንዛበ ብምፍጣር፣ ብእዋኑ ብምምርማርን ብምሕካምን፣ ጥንኩር ግንዛበ ኣብ ማሕበረሰብ ብምፍጣር ብሓባር ሓደጋታት ሩማቲክ ሕማም ልቢ ምቕናስ ይከኣል እዩ

Source: www.nephinc.com/

ብዛዕባና

ካብ ሕማም ሩማቲክ ልቢ ነፃ ዝኾነ መፃኢ ምፍጣር

PrevRHD ኣብ ትግራይ፣ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ሕማም ቅርጥማታዊ ረስኒን  ሩማቲክ ሕማም ልቢን ምክልኻል፣ ብእዋኑ ንምልላይን ዝሰርሕ መደብ እዩ።ሩማቲክ ሕማም ልቢ ፣ ብሕማም ጉሮሮ ብGroup A Streptococcus ዝመጽእ ረኽሲ ብትኽክል እንተዘይተፈዊሱ፣ ክስዕብ ዝኽእል ከቢድ ግን ብዓቢኡ ክከላኸል ዝከኣል ሕማም እዩ።ብግንዛበ ምፍጣር ፣ ትምህርቲ፣ ስልጠና፣ ኣብ እዋኑ ብምልላይ፣ ምክልኻልን ምትሕብባርን፣ ጉድኣት ሩማቲክ ሕማም ልቢ ንምቕናስን ንተጋላፅነት ዘለዎም ሰባት ህይወት ንምምሕያሽን ንሰርሕ።

ንምንታይ ኣቓልቦ የድልዮ

ሩማቲክ ሕማም ልቢ ምክልኻል ይከኣል እዩ

ብእዋኑ ምርመራ ፣ ግንዛበ ምፍጣር፣ ግቡእ ሕክምናን ምግባር እዚ ሕማም ካብ ከስዕቦ ካብ ዝኽእል ጉድኣት ልቢ ክንከላኸል ክሕግዝ ይኽእል።

40ሚ+

ብዓለም ለኻ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ዘለዎም ተባሂሎም ዝግመቱ ሰባት።

300ሽሕ+

ብዓለም ለኻ ደረጃ ብሩማቲክ ሕማም ልቢ ዝተኣሳሰሩ ዓመታዊ ሞታት ይምዝገቡ።

ምክልኻል ዝከኣል

ብእዋኑ ዝግበር ምርመራን ሕክምናን፣ ቅርጥማታዊ ረስኒን ሩማቲክ ሕማም ልብን (RHD) ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽእል።

ንኡስ ዕድመ

ቆልዑን መንእሰያትን ካብቶም ብዝያዳ ዝጥቅዑ ወገናት እዮም።

ትኹረት ዝተውሃቦም መደባት

ዝስርሑ ስራሕቲ

PrevRHD ኣብ ኩሎም መድረኻት ምክልኻልን ክንክንን ብምስራሕ፣ ጉድኣታት ቅርጥማታዊ ረስኒን ሩማቲክ ሕማም ልብን ንምቕናስ ይሰርሕ።

ግንዛበ ማሕበረሰብ

ግንዛበ ብምዕባይን ማሕበረሰብ ኣብ እዋኑ ምልላይን ብግዜኡ ሕክምና ምርካብን ዘለዎም ኣገዳስነት ክርድኡ ብምሕጋዝን።

ቀዲምካ ምፍላይ

ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ሰባት ግቡእ ምርመራ፣ ሕክምናን ክትትልን ክረኽቡ ንምሕጋዝ፣ ብእዋኑ ንምልላይ ንድግፍ።

ስልጠና ሰብሞያ ጥዕና

ክእለትን ፍልጠትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ቀዳማይ ሓገዝ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ስልጠና ብምሃብ ሓገዝ ምግባር።

ምክልኻልን

ምክልኻል ንምግባር ዝሕግዙ ስትራተጂታትን፣ ምስ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ዝነብሩ ወይ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ሰባት ንነዊሕ ግዜ ዝሕግዝ ክንክንን ምድጋፍ።

እንታይነት ሩማቲክ ሕማም ልቢ

ካብ ረኽሲ ጉሮሮ ናብ ጉድኣት ልቢ

ሩማቲክ ሕማም ልቢ ከመይ ክምዕብል ከም ዝኽእል ምርዳእ፣ ኣብ እዋኑ ስጉምቲ ምውሳድ ክንደይ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ የርእየና።

1. ረኽሲ ጉሮሮ

ብGroup A Streptococcus ዝመጽእ ረኽሲ ጉሮሮ

2. ብኣግባቡ እንተዘይተሓኪሙ

እቲ ረኽሲ ግቡእ ሕክምናዊ ክትትል ከይረኸበ እንትተርፍ

3. ቅርጥማታዊ ረስኒ

ሓደ ናይ ረኽሲ ምላሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣካል ጽልዋ ክገብር ይኽእል።

4. ተደጋጋሚ ቅርጥማታዊ ረስኒ

ተደጋጋሚ ክስተታት ናይ ቫልቭ ልቢ ጉድኣት ንኽኽሰት ዘሎ ተኽእሎ ከዕቢ ይኽእል

5. ሩማቲክ ሕማም ልቢ

ቀዋሚ ጉድኣት ናይ ቫልቭ ልቢ ክምዕብል ይኽእል

ብእዋኑ ዝግበር ስጉምቲ ዓቢ ኣብ ምክልኻል እቲ ሕማም ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል።

ብእዋኑ ምልላይን ግቡእ ሕክምናን ናይ ብGroup A Streptococcus ዝመጽእ ረኽሲ ጉሮሮ፣ ቅርጥማታዊ ረስኒ (Acute Rheumatic Fever) ንምክልኻልን ሓደጋ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ንምቕናስን ክሕግዝ ይኽእል።

ሓደሽቲ ፖስትታት

እዋናዊ ዜናታትን ጠቐምቲ ፅሑፋትን ይከታተሉ

ምክልኻል ሩማቲክ ሕማም ልቢ

ሩማቲክ ሕማም ልቢ (RHD) ኣብ ብዙሓት ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት፣ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ…...

ቤንዛታይን ፔንስሊን ንምክኻል ሩማቲክ ሕማም ልቢ

ሕማም ጉሮሮ (pharyngitis ወይ tonsillitis) ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ መላእ ዓለም ብብዝሒ ዝርአ ሕማም እዩ።…...

ሩማቲክ ሕማም ልቢ እንታይ እዩ?

ሩማቲክ ሕማም ልቢ (Rheumatic Heart Disease – RHD) ዝበሃል ብምኽንያት ናይ ልቢ ቫልቭታት ዘላቂ ጉድኣት…...

ትሕብብር

ብሓባር ጥንኩር ሓድነት

ሩማቲክ ሕማም ልቢ ንምክልኻል ምትሕብባር የድሊ። PrevRHD ምስ ትካላት ጥዕና፣ ዩኒቨርሲታት፣ ኣካላት መንግስቲን ዓለምለኻውያን መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ይሰርሕ።

Dr. Abraha Hailu MD

Internist and Cardiologist (PrevRHD Program Local Representative)

Add testimonial description here. Edit and place your own text.

Dr. Christian Leuner MD

Chairman Etiopia-Witten Assoc. Germany

Add testimonial description here. Edit and place your own text.

Dr. Gabriele Wehr MD

-------------

Add testimonial description here. Edit and place your own text.

Dr. Idris Ahmedin MD

-------------

Add testimonial description here. Edit and place your own text.

ንዓና ንምርካብ

ይፅሓፉልና

ኣብ ብዛዕባ መደብ PrevRHD ርእይቶ፣ ሕቶ ወይ መልእኽቲ እንተሃልዩኩም ሓሳባትኩም ኣካፍሉና፣ ሕቶታትኩም ሕተቱ፣ ወይ ኣብ ትግራይ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ንምክልኻል ብዛዕባ እንገብሮ ስራሕ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ርኸቡና።

ቅድሚ እዚ ፎርም ምምላእኹም እዞም ዝስዕቡ የንብቡ 
Privacy Policy | Medical Disclaimer | Legal Notice