ሩማቲክ ሕማም ልቢ እንታይ እዩ?

Share this post on:

ሩማቲክ ሕማም ልቢ (Rheumatic Heart Disease - RHD) ዝበሃል ብምኽንያት ናይ ልቢ ቫልቭታት ዘላቂ ጉድኣት ዝፍጠር ነዊሕ ግዜ ዝጸንሕን ህይወት ክስግእ ዝኽእልን ሕማም ልቢ እዩ። እዚ ጉድኣት ብድሕሪ ቅርጥማታዊ ረስኒ (Rheumatic Fever) ዝበሃልሕማም ይመጽእ፣ እዚ ድማ ካብ Group A Streptococcal (Strep) ረኽሲ ጎሮሮ ብግቡእ እንተዘይተሓክመ ወይ ብቑዕ ሕክምና እንተዘይረኸበ ዝፍጠር እዩ።

ኣብ እዋን ሕማም ቅርጥማታዊ ረስኒ ናይ ሰብነት ምክልኻል ስርዓት ብጌጋ ንናይ ባዕሉ ኣካል ከጥቅዕ ይኽእል፣ እዚ ድማ ኣብ ቫልቭታት ልቢ መጉዳእትን በሰላንን የስዕብ። ምስ ግዜ፣ ተደጋጋሚ ሩማቲክ ፊቨር ነዚ ጉድኣት ይገድዶ፣ ልቢ ድማ ደም ብብቕዓት ክፍስስ ይኸብዶ።

ካብ ካልኦት ዓይነታት ሕማማት ልቢ ብዝተፈለየ ብሰንኪ ናይ ኣነባብራ ልምዲታት ወይ ካልኦት ምኽንያታት ዝምዕብሉ እንትኾኑ፣ ሕማም ልቢ ሩማቲክ ብዙሕ ግዜ ኣብ ንእስነት ወይ ኣብ ዕድመ ጉብዝና ይጅምር። እዚ ሕማም ምልክታት ቅድሚ ምርኣዮም ንዓመታት ብስዉር መንገዲ ክምዕብል ይኽእል። ስለዚ፣ ኣቐዲምካ ምልላይን ምክልኻልን ኣገዳሲ እዮ።

ሕማም ልቢ ሩማቲክ ብተኸታታሊ ዝፍጠሩ ክከላኸሉ ዝከኣሉን ፍጻመታት ይምዕብል፡

  • መጀመርታ ሓደ ሰብ ብባክቴርያ ጉጅለ A ስትረፕቶኮከስ (Group A Streptococcus) ዝመጽአ ሕማም ረኽሲ ጎሮሮ ይሓድሮ
  • እቲ ሕማም ኣንከይተሓከመ እንትተርፍ ወይ ብግቡእ መድሓኒት እንተይተወሲዱ
  • ሓደ ሓደ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ሕማም ቅርጥማታዊ ረስኒ (Acute Rheumatic Fever) ክደሓዙ ይኽእሉ።
  • ኣብ እዋን ቅርጥማታዊ ረስኒ ናይ ሰውነት መከላኸሊ ስርዓት ብስሕተት ንጥዑያት ሕብረ ሕዋሳት፣ ብፍላይ ልቢ፣ መገጣጠሚታት፣ ቆርበትን ሓንጎልን ከጥቅዕ ይጅምር።
  • ተደጋጋሚ ምቑጣዕ ንቫልቭታት ልቢ ይጎድኦም፣ እዚ ድማ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘላቒ ሕማም ከስዕብ ይኽእል።

ብዙሓት ሰባት ምስ ሕማም ልቢ ሩማቲክ ኣብ መጀመርታ ደረጃታት ዝኾነ ምልክት ኣይርእዩን። እቲ ሕማም እናሰረት ምስኸደ ጉድኣት ቫልቭታት ልቢ እናኸበደ ምስቀፀለ፣ እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ክረኣዩ ይኽእሉ፡

  • ትንፋስ ምሕጻር፣ ብፍላይ ኣካላዊ ንጥፈት ኣብ ዝገብረሉ ግዜ ወይ ኣብ ዝድቅሰሉ ግዜ
  • ኩሉግዜ ስምዒት ድኻም
  • ቃንዛ ልቢ ወይ ድማ ኣብ ደረት ምቾት ዘይምህላይ
  • ቅልጡፍ፣ ብሓይሊ ዝስማዕ ወይ ዘይስሩዕ ውቅዒት ልቢ
  • እግሪ ወይ እግሪ ታሕቲ ምሕባጥ
  • ርእሲ ምዛር ወይ ሃንደበታዊ ምውዳቕ
  • ናይ ምንቅስቓስ ወይ ናይ መዓልታዊ ንጥፈታት ምግባር ዓቕሚ ምንካይ
  • ንነዊሕ ግዜ ዝፀንሕ ሰዓል፣ ብፍላይ ብለይቲ
  • ግዜ እንትወስድ ደማ ምልክታት ድኽመት ልቢ

ምልክታት እቲ ሕማም ቀስብቐስ እናተራእዩ ስለ ዝመጹ፣ ብዙሓት ተሓከምቲ ዝልለዩ ኣብ ቫልቭታት ልቢ ጉድኣታት ድሕሪ ምኽሳቶም ጥራይ እዩ።

ቀንዲ መንቀሊ ሩማቲክ ሕማም ልቢብግቡእ ዘይተሓከመ ናይ ጎሮሮ ረኽሲ ብጉጅለ A ስትረፕቶኮከስ (Group A Streptococcus) እዩ። እቲ ሕማም ባክቴርያ ብቐጥታ ንልቢ ብምጥቃዕ ዝፍጠር ኣይኮነን፤ እዚ ሕማም ዝፍጠር ኣካላት ሰውነት ብስሕተት ንሕብረ ሕዋሳት ልቢ ዝጎድእ ዘይንቡር ምላሽ ናይ መከላኸሊ ስርዓት ሰውነት ብምኽንያት እዩ።

ንምዕባለ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ዝውስኹ ፍፃመታት፦

  • ዝደጋገም ዘይተሓከመ ረኽሶ ጎሮሮ
  • ናብ ጥዕና ኣገልግሎት ዘሎ ውሱን ተበጻሕነት
  • ምልላይ ሕማምን ምሕካምን እንርዝንግዕ
  • ድኽነትን ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሱን መንበሪ ቦታ ምንባርን
  • መድሓኒት ብቐሊሉ ምርካብ ዘይምኽኣል
  • ንሕማም ጎሮሮ ብግቡእ ምሕካም ዘለዎ ኣገዳስነት ዘይምፍላጥ

ዕድመኦም ካብ 5 ክሳብ 15 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ቅርጥማታዊ ረስኒ (Acute Rheumatic Fever) ንክምዕብሉ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለዎም። ይኹን እምበር፣ ናይ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ናይ ነዊሕ ግዜ ጽልዋታት ክሳብ ዝዓንዩ ክቕፅል ይኽእል እዩ።

ሕማም ልቢ ሩማቲክ (RHD) ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ምክልኻል ዝኽእሉ ሕማማት ልቢ ሓደ እዩ። ኣብ 2021 ዝተገብረ ግምት መሰረት፣ ኣብ ዓለም ልዕሊ 40 ሚልዮን ሰባት ብRHD ይፅለዉ ነይሮም፣ እዚ ሕማም ድማ ኣስታት 300,000 ሞት ኣብ 2021 ኣስዒቡ።

እቲ ሕማም ብፍላይ ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ይዓቢ፣ ብፍላይ ኣብ ንኡስ-ሰሃራዊ ኣፍሪቃ፣ ደቡብ እስያን ካልኦት ዝተጎድኡ ክልላትን። እዚ ድማ ምስ ድኽነት፣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሱን መንበሪ ቦታ ምንባር፣ ውሱን ተበጻሕነት ኣገልግሎት ጥዕናን ዝወሓደ ተበጻሕነት መድሓኒታትን ብቐጥታ ይተሓሓዝ።

RHD ብፍላይ ንህጻናትን መንእሰያትን ይጸሉ፣ እንተኾነ ግና ጉድኣት ቫልቭታት ልቢ ንዓመታት ቀፂሉ ኣብ ዓቢ ዕድሚኦም ከቢድ ሕማምን ዘላቒ ስንክልናን ከስዕብ ይኽእል። እዚ ተጠቃዕነት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፣ RHD ናይ ምክልኻል ዕድል ዘለዎ ሕማም እዩ—ናይ ስትረፕ ጎሮሮ ረኽሲ ብግቡእ ብእዋኑ ምሕካምን ድሕሪ ረማቲክ ፊቨር ኣድላይ መከላኸሊ ሕክምና ምሃብን ኣገደስቲ ናይ ምክልኻል ስጉምትታት እዮም።

ኣፍሪቃ ካብተን ኣብ ዓለም ዝለዓለ ሕማም ልቢ ሩማቲክ (RHD) ዘለወን ሓንቲ እያ። እዚ ሕማም ኣብ ህጻናት፣ መንእሰያትን ወጣት ዓበይቲን ካብ ዝርከቡ ሕማማት ልቢ ሓደ ክፋል ይሽፍን።

ኣብ ኣፍሪቃ ተስፋሕፋሕነት እዚ ሕማም ዘጋድዱ፡

  • ናይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዘሎ ውሱን ተበጻሕነት
  • ናይ ስትረፕቶኮካል ረኽሲ ጎሮሮ ሕክምና ምድንጓይ
  • ናይ መድሓኒት ሕፅረት
  • ድኽነትን ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሱን መንበሪ ቦታ ምንባርን
  • ንኣቐዲምካ ምልላይ ሕማም ዝሕግዝ ኢኮካርዲዮግራፊ (Echocardiography) ንምርካብ ዘሎ ውሱን ዕድል

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሩማቲክ ሕማም ልቢ ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ካብ ዝረኣዩ ሕማማት ልቢ ቀንዲ መንቀሊ እዩ። ብዙሓት ሕሙማት ዝልለዩ ድሕሪ ከቢድ ጉድኣት ቫልቭታት ልቢ ምኽሳቱ ጥራይ እዩ፤ ኣብዚ ደረጃ እዚ ድማ ክባር መጥባሕቲ ልቢ ናይ መጨረሻ ኣማራጺ ሕክምና ክኸውን ይኽእል።

መደባት ጥዕና ቤት ትምህርቲ ምጥንኻር፣ ናብ መድሓኒት/ኣንቲባዮቲክስ ዘሎ ተበጻሕነት ምምሕያሽ፣ ኣገልግሎት ምርመራን ስክሪኒንግን ምስፋሕ፣ ከምኡውን ናሕቨረሰባዊ ንቕሓት ምዕባይ ኣብ ምንካይ እዚ ሕማም ኣብ ኣፍሪቃ ኣገደስቲ ስጉምትታት እዮም።

ሕማም ልቢ ሩማቲክ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ናይ ህዝባዊ ጥዕና ፀገም ኾይኑ ይቕጽል ኣሎ። በቢ ዓመቱ ኣሽሓት ህጻናት፣ መንእሰያትን ዓበይትን በዚ ሕማም ይጥቅዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ህጻናት ካብ ዝረአዩ ሕማማት ልቢ ቀንዲ ምኽንያታት እዩ፣ ከምኡውን ኣብ መንእሰያት ካብ ዝርከቡ ምስ ልቢ ዝተኣሳሰሩ ዓቢ ክፋል ይሽፍን።

ብዙሓት ሕሙማት ኣብ ኢትዮጵያ ዝልለዩ ድሕሪ ዘይምለስ ጉድኣት ቫልቭታት ልቢ ምክሳቱ ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ንነዊሕ ግዜ መድሓኒት ምውሳድ ወይ ንመጥባሕቲ ቫልቭ ልቢ ሪፈራል ከድልዮም ይኽእል። ናብ ፍሉይ ኣገልግሎታት ሕክምና ልቢ ዘሎ ተበጻሕነት ገና ውሱን ስለዝኾነ፣ ምክልኻልን ብእዋኑ ምልላይን ኣዝዩ ኣገደስቲ እዮም።

ኣብ ሃገራዊ ደረጃ፣ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ትካላት መንግስቲ፣ ዩኒቨርስቲታት፣ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት (NGOs) ከምኡውን ዓለምለኻዊ መሻርኽቲ ብሓባር ብምስራሕ ንቕሓት ንምዕባይ፣ ስክሪኒንግ ንምስፋሕ፣ ብእዋኑ ምልላይ ንምምሕያሽን ናብ መከላኸሊ ክንክን ዘሎ ተበጻሕነት ንምዕባይን ዝሕግዙ ጻዕርታት ይገብሩ ኣለዉ። ኣብዞም መደባት ቀጻሊ ወፍሪ ምግባር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ልቢ ሩማቲክ ዘለዎ ናይ ነዊሕ ግዜ ጽልዋ ንምንካይ ኣገዳሲ እዩ።

Share this post on:

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *